
ኣብ ሆላንድ ክጸንሑ ዝተፈቕደሎም ስደተኛታት ኣብዚ መንበሪ ገዛ ክወሃቦም እዩ። ላቢሪንት ዳህሰስቲ ሓደስቲ መጻእቲ ገዛ ምስ ዝረኽቡን ኣብ ሓድሽ መንበሪ ቦታ ህይወት ክሃንጹ ከለዉን እንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ክፈልጡ ይደልዩ፥ ብዛዕባ ገዛ፡ ስድራኻ፡ ቤት ትምህርትኻ፡ ስራሕካ፡ ጎረባብትኻ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ወይ መኪና ሕሰብ፧
ነዚ መጽናዕቲ፡ ላቢሪንት ተመኩሮታቶም ኣብ ጉጅለ ዘተ ከካፍሉ ዝደልዩ ሰባት ይደሊ ኣሎ።እቲ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ንሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ምሃብ ንምምሕያሽ ይሕግዝ!
ካብ ኤርትራ ዲኻ ኣብ መንጎ 2014ን 2016ን ናብ ሆላንድ መጺእ፧ ብድሕሪኡ ኣብዚ ናይ ጉጅለ ዝርርብ ተጸንበር!
ኣብ [ዕለት] ኣብ [ከተማ] ናይ ጉጅለ ዝርርብ ክህሉ ከሎ ኣብ [ዕለት] ድማ ኣብ [ከተማ] ናይ ጉጅለ ዝርርብ ኣሎ።
ንተሳትፎኹም €40 ዝዋግኡ ናይ ህያብ ቅብሊት ክትረኽቡ ኢኹም። ናይ መገሻ ወጻኢታትኩም እውን ካብ መንበሪኹም ናብቲ ናይ ጉጅለ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ዝወጸ ክምለሰልኩም እዩ።
ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ተጠቒምኩም ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሕቶታት ኣለኩም ዶ? በጃኹም ርኸቡና Judith ወይ Leon ድማ ሕተቱ።
ተሌፎን፡ 030-262 7191
ኢመይል፡ info@labyrinthonderzoek.nl
ዋትስኣፕ ፡ 06-15 42 1983
AANMELDFORMULIER